ሓገዝ ጥዕና ነቶም ሕጋዊ መንበሪ ዘይብሎም ሰባት

ኩሉ ኣብ ኖርወይ ዝጸንሕ ሰብ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነን ግዜ ዘይህብ ኵነታት ምስ ዘጋጥሞ፡ ህጹጽ ሓገዝን ክንክን ጥዕናን ክረክብ መሰል ኣለዎ።

ዓበይቲ ሰባት ንኣገልግሎት ጥዕና ዘለዎም መሰል

ሕጋዊ መንበሪ ዘይብሎም ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነን ግዜ ዘይህብ ኵነታት ምስ ዘጋጥሞም፡ ህጹጽ ሓገዝን ክንክን ጥዕናን ክረኽቡ መሰል ኣለዎም። ነቲ ናይ ጥዕና ሓገዝ ክትከፍል እኳ እንተሎካ፡ ኣቐዲምካ ግን ክትከፍል ኣየድልየንካን።

ጥኑሳት ዘለወን መሰል ኣገልግሎት ጥዕና

ጥኑሳት ኣብ እዋን ጥንሲ፡ ኣብ እዋን ሕርስን ድሕሪ ሕርሲ ኣብ ዘሎ እተወሰነ እዋንን ምሉእ ክንክን ጥዕና ክረኽባ መሰል ኣለወን። ጥኑሳት ጥንሲ ናይ ምንጻል ምሉእ መሰል እውን ኣለወን።

ቈልዑ ዘለዎም መሰል ኣገልግሎት ጥዕና

ኵሎም ክሳዕ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ቈልዑ ከም ካልኦት ቈልዑ ደቂ ኖርወይ ተመሳሳሊ መሰል ኣገልግሎት ጥዕናን ክንክንን ኣለዎም። ሕጋዊ መንበሪ ዘይብሎም ህጻናት ኣብ ዝርዝር ቀዋሚ ሓኪም ክኣትዉ መሰል የብሎምን።

መሰል ሓገዝ ምቍጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት

ገለ ሕማማት ኣዝዮም ተላባዕቲ ኮይኖም ንሕብረተሰብ ይኹን ነቶም በቲ ሕማም ዝልከፉ ከቢድ ሳዕቤን ኣለዎም። ኣብ lovdata.no ዝርዝር ናይ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ንህዝቢ ሓደገኛታት ዝዀኑ ተላባዕቲ ሕማማት ኣለዉ።

ብኸምዚ ዓይነት ሕማማት እትጥቅዓሉ ዅነታት እንተ ኣልዩ፡ ሓገዝ ምቁጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ክትረክብ መሰል ኣሎካ። እዚ ማለት ከኣ እዚ ዝስዕብ መሰል ኣሎካ፦

  • ክትባት
  • ሓበሬታ
  • ካልእ ኣድላዪ ዝኾነ ናይ ምክልኻል ሓገዝ

ከምዚ ዓይነት ሕማም እንተ ኣጋጢሙካ፡ ናይ ሕክምና መሰል ኣሎካ።

ሓገዝ ምቁጽጻር ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንኹሉ ኣብ ኖርወይ ዝጸንሕ ሰብ ብናጻ እዩ።

ናይ ዑቕባ ሕቶ ኣብ እተነጽገሉ እዋን

ዋላ እውን ኣብ መወዳእታ ሕቶ ዑቕባኻ እንተ ተነጽገ፡ እዚ ዝስዕብ መሰል ኣሎካ፦

  • ናይ ሕክምና መርመራ ምርካብ
  • ህጹጽ ሓገዝ ሕክምና ምርካብ
  • ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነን ግዜ ዘይህብ ክንክን ጥዕና ምርካብ

ናይ ኣእምሮ ጥዕና ጸገም እንተሃልዩካ፡ ኣብ ክንክን ጥዕና ኣእምሮ ሕክምና ክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

ኣብ ኖርወይ ሕጋዊ መንበሪ ዘይብሎም ህጻናት ካብ ሓኪምን ኣብ ሆስፒታልን ክንክን ጥዕና ክረኽቡ መሰል ኣለዎም፣ እንተኾነ ግን ቀዋሚ ሓኪም ናይ ምርካብ መሰል የብሎምን።

ሕቶ ዑቕባኻ እንተ ተነጺጉ፡ ካብ ሓኪም ንዝወሃበካ ክንክን ጥዕናን ኣብ ሆስፒታል ንእትረኽቦ ሓገዝን ክትከፍል ኣሎካ፣ እንተኾነ ግን ቅድሚ እቲ ሓገዝ ጥዕና ምርካብካ ክትከፍል ኣየድልየካን እዩ። ድሕሪኡ እውን ክትከፍል እንተ ዘይክኢልካ፡ እቲ ኣገልግሎት ጥዕና ነቲ ወጻኢታት ክሽፍኖ ኣለዎ።

ሕቶ ዑቕባኻ እተነጽገ ጥንስቲ እንተ ዄንኪ እውን እዚ ዝስዕብ መሰላት ኣሎኪ፦

  • ቅድሚ ሕርሲ፡ ኣብ እዋን ሕርስን ድሕሪኡን ሓገዝ ጥዕና ናይ ምርካብ
  • ኣብ ሆስፒታል ናይ ምውላድ
  • ጥንሲ ናይ ምንጻል

ኣብ ኖርወይ ክሳብ ዘለኺ እዚ መሰላት እዚ ኣሎኪ።

ዓቕሚ እንተ ኣልዩኪ፡ ነቲ ናይ ሕርሲ ሓገዝ ጥዕና ባዕልኺ ክትከፍልዮ ኣሎኪ። ክትከፍሊ እንተ ዘይክኢልኪ ግና፡ እቲ ኣገልግሎት ጥዕና ነቲ ወጻኢታት ክሽፍኖ ኣለዎ።

ማእከል ጥዕና ንሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት

ብናጻ። ብዘይ ቈጸራ ይርከብ። ምስጢር ይሕሎ።

ሕጋዊ ናይ መንበሪ ፍቓድካ ብዘየገድስ፡ ኣብ ኖርወይ ክሳብ ዘለኻ፡ ዝኾነ ምስ ጥዕና ዝተኣሳሰር ጥርዓናትን ሕቶታትን ከተምጽእ ትኽእል ኢኻ። ኩሉ ክንክን ጥዕና ብናጻ እዩ።

ኦስሎ

ናይ ስራሕ ሰዓታት፦

  • ሰሉስ፦ 16:00 – 20:00
  • ሓሙስ፦11:00 – 15:00

እቲ ማእከል ጥዕና ኣብ ማእከል ከተማ ኦስሎ ይርከብ። ኣንፈት ንምርካብ ክትድውሉልና ትኽእሉ ኢኹም።

ተሌፎን፦ 488 90 560

ወብ ሳይት፦ kirkensbymisjon.no/helsesenteret

በርገን

ኵሉ ግዜ ሓሙስ ሰዓት 18.00 – 20.30.

ናጻ ክንክን ጥዕና ንደቂ ኣንስትዮ፦
ኣብ ከክልተ ሰሙን ሓንቲ ረቡዕ (ተዘናቒ ቁጽሪ ዘለዎም ሰሙናት) ካብ ሰዓት 18.00 – 20.30.

ብዛዕባ ኣድራሻናን እንህቦ ኣገልግሎትን ሓበሬታ ንምርካብ ደውሉልና።

ናይ ስራሕ ሰዓታት ቴሌፎን፦

  • ሰሉስ፡ ሰዓት 10.00 – 13.00
  • ረቡዕ፡ ሰዓት 10.00 – 13.00
  • ሓሙስ፡ ሰዓት 18.00 – 20.30
  • ዓርቢ፡ ሰዓት 10.00 – 14.00

ተሌፎን፦ 400 49 094

ወብ ሳይት፦ kirkensbymisjon.no/helsesenteret-bergen/

ነዚ ጽሑፍ ዘዳለወ Helsedirektoratet

መወዳእታ ዝተመሓየሸ ረቡዕ፣ 16 ሕዳር መዓልቲ 2022 ዓ/ም