ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ እንታይ እዩ፧
ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ወይ ምቑራጽ ብልዕቲ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃን ገለ ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን እስያን ዝዝውተር ልምዲ እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ክሳብ 15 ዓመት ኣብ ዝዕድሚአን ኣዋልድ እዩ ዝፍጸም።
እቲ ዝበዝሐ ዝውቱር ዓይነት ግዝረት፡ ግዳማዊ ኽፋል ጕድበ ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል ብምእላይ ዝፍጸም እዩ። ኣብ ገለ ሃገራት፡ ኣፍ ርሕሚ ምእንቲ ክጸብብ፡ ከንፈር ርሕሚ ምስፋይ ልሙድ እዩ።
ኣብ ኖርወይ ኩሉ ዓይነት ምኽንሻብ ጓል ኣንስተይቲ ክልኩል እዩ። ኣብ መብዛሕትአን ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸመለን ሃገራት እውን ተኣጊዱ ኣሎ።
ሓገዝ ክንክን ጥዕና
ተገዚርኪ እንተ ዄንክን ብሰንኩ ቃንዛ ወይ ካልእ ጸገም ዘጋጥመኪ እንተ ዀይኑን፡ ብዛዕባ እዚ ክትዛረብዮን ሓገዝ ክትረኽብሉን እትኽእልሉ ኣገልግሎታት ጥዕና ኣለዉ፦
- ሓፈሻዊ ሓኪምኪ
- ኣብ ማእከል ጥዕና ኣደታትን ሕጻናትን ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ቤት ትምህርትን ዝርከባ ነርስታት
- ምስ ጥንሲ ብዝተኣሳሰር ኣብ ማእከል ጥዕና ኣደታትን ሕጻናትን ዝርከባ ሰብ ሞያ ሕርሲ
ኣድላዪ እንተ ዀይኑ፡ ሓካይምን ነርስታትን ሰብ ሞያ ሕርስን ናብ ክሊኒክ ደቂ ኣንስትዮ፡ ናብ ክፍሊ ሕክምና ማህጸን ወይ ኣብ ሆስፒታል ናብ ዝርከብ ክሊኒክ ሕጻናት ክልእኹኺ ይኽእሉ እዮም።
ብፍሉያት ሰብ ሞያ ሕክምና ዝወሃብ ኣገልግሎት ሕክምና
ብዛዕባ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ክእለት ብዘለዎ ሰብ ሞያ ዝወሃብ ኣገልግሎት ሕክምና ኣብ ሽዱሽተ ሆስፒታላት ክርከብ ይከኣል እዩ። ናብኡ ክትለኣኺ ወይ ሪፈር ክትግበሪ ክትሓትቲ ትኽእሊ ኢኺ፣ ንመብዛሕትኦም ድማ ብዘይ ሪፈራል ባዕልኺ ክትረኽብዮም ትኽእሊ ኢኺ። ዝርዝር ናይዘን ሆስፒታላት ኣብ ታሕቲ ናይዚ ገጽ ክትረኽብዮ ትኽእሊ ኢኺ።
ወጻኢታትን ምስጢር ምሕላውን
- ኣብ ማእከል ጥዕና ኣደታትን ሕጻናትን ዝወሃብ ክንክን ጥዕና ብነጻ እዩ።
- ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪምክን ኣብ ሆስፒታልን፡ ሒደት ክፍሊት ክትከፍሊ ኣሎኪ።
- ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና ምስጢር ናይ ምሕላው ግዴታ ኣለዎም ።
ብሰንኪ ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ዝመጽእ ጸገማት ጥዕና
ምኽንሻብ ደቂ ኣንስትዮ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሕ ብርክት ዝበሉ ጸገማትን ሕልኽላኻትን ከስዕብ ይኽእል እዩ።
ንኣብነት እዚ ዝስዕብ ከጋጥም ይኽእል፦
- ቃንዛ ከብዲ
- ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ቃንዛ
- ምሻን ቃንዛ ዘለዎን ግዜ ዝወስድን ይኸውን
- ዝፈስሰኪ ፈሳሲ ይውስኽ
- ምስ ወርሓዊ ጽግያት ዝተኣሳሰሩ ጸገማት
- ኣብ ከባቢ ጕድበን ወይ ከንፈር ርሕምን ዝወጽእ ጽኪ ዝመስል ከረጺት
ብመጥባሕቲ ምኽፋትን ካልእ ሕክምናን
እቲ ኣፍ ርሕሚ ምእንቲ ክጸብብ እተሰፈኺ እንተ ዄንኪ፡ ነቲ እተሰፍየ ምኽፋት መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ብዙሕ ሕማማት ክገላግል ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ኸባቢ ርሕሚ ጥራይ መደንዘዚ ብምግባር ክግበር ዝኽእል ንእሽቶ መጥባሕቲ እዩ።
ቅድሚ ጾታዊ ርክብ ክትገብሪ ምጅማርኪ ነዚ ኽትገብርዮ ጥበባዊ እዩ። ነፍሰጾር እንተ ዄንኪ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ እዋን ሕርሲ ነዚ ምኽፋት ይምከር፡ እንተዀነ ግን ኣብ እዋን ጥንሲ እውን ክግበር ይከኣል እዩ።
ካልእ ዓይነት ምኽንሻብ እንተልዩኪ፡ ንቓንዛን ካልእ ሕማማትን ሓገዝ ክትረኽቢ ትኽእሊ ኢኺ።
ኣድራሻ ርክብ እቶም ፍሉይ ናይ ሕክምና ኣማራጺ ዘለዎም ሆስፒታላት
ኣብዚ ዝስዕብ ሆስፒታላት፡ ንእተኸንሸባ ደቂ ኣንስትዮ ፍሉይ ኣማራጺ ዝህብ ክሊኒክ ደቂ ኣንስትዮ ኣሎ፦
ትሮምሶ
ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኑርድ-ኖርገምስ ክሊኒክ ደቂ ኣንስትዮ ርክብ ግበሪ፣ ተሌፎን 77 62 64 50
በርገን
ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ሃውከላንድምስ ክሊኒክ ደቂ ኣንስትዮ ርክብ ግበሪ፣ ተሌፎን 55 97 42 36
ትሮንድሃይም
ሰይንት ኦላቭ ሆስፒታልምስ ክፍሊ ግህሰት ርክብ ግበሪ፣ ተሌፎን 72 57 12 12
ኦስሎ
ሆስፒታል ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ ኣብ ኡልቮልምስ ክሊኒክ ደቂ ኣንስትዮ ርክብ ግበሪ፣ ተሌፎን 22 11 98 44
ድራመን
ሆስፒታል ድራመን - ቨስትረ ቪከን ኤች.ኤፍተሌፎን 32 80 30 00 / 03525
ናብቲ ናይ ወሊድ ክሊኒክ ሕተቲ። ነፍሰጾርን ዘይነፍሰጾርን ይቕበሉ እዮም።
ክሪስቲያንሳንድ
ምስ ክሊኒክ ደቂ ኣንስትዮ ርክብ ግበሪ፣ ተሌፎን 38 07 30 70
ካብ ሓኪም፡ ነርስ ጥዕና ወይ መሕረሲት ሪፈራል የድልየኪ እዩ