ናይ ነፍሰ ጾር ሕማም ሽኮርያ

ናይ ነፍሰ ጾር ሕማም ሽኮርያ፡ ኣብ እዋን ጥንሲ ዘጋጥም ልዑል መጠን ሽኮር ደም እዩ።

ናይ ነፍሰ ጾር ሕማም ሽኮርያ እንታይ እዩ፧

ኣብ እዋን ጥንሲ፡ ሰብነት ዘድልዮ መጠን ኢንሱሊን ይውስኽ እዩ። ኢንሱሊን ኣብ ጣፍያ ዝፍጠር ሆርሞን ኰይኑ፡ ካብቲ ኣብ እትበልዖ ምግቢ ዝርከብ ካርቦሃይድሬት ዝወጽእ ግሉኮስ ናብ ዋህዮታት ኣካላትና ከም ዝኣቱን ከም ጸዓት ወይ ሓይሊ ኸም እንጥቀመሉን ዝገብር እዩ። 

ናይ ነፍሰ ጾር ሕማም ሽኮርያ ዝኽሰት ኣካላትና እኹል ኢንሱሊን ከፍሪ እንተ ዘይክኢሉን በዚ ኸምዚ ሽኮር ደምና ኣዝዩ ልዑል እንተ ዀይኑን እዩ። 

ናይ ነፍሰ ጾር ሕማም ሽኮርያ ምልክታት ዘርኢ ሳሕቲ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ እዩ መብዛሕትአን ነፍሰጾራት ናይ ነፍሰ ጾር ሕማም ሽኮርያ እንተልይወይን መርመራ ዝግበረለን።

ናይ ነፍሰ ጾር ሕማም ሽኮርያ ዘለወን ነፍሰጾር ደቂ ኣንስትዮ ኣብ እዋን ጥንስን ሕርስን ጸገማት ከጋጥመና ዝለዓለ ተኽእሎ ኣለወን፣ መብዛሕትአን ግን ጥዑያት ቆልዑ ይወልዳ። ጽቡቕ ሕክምና ናይ ነፍሰ ጾር ሕማም ሽኮርያ ምግባር ነዚ ዝስዕብ ሓደጋታት ይንኪ፦  

 

ሕክምና ናይ ነፍሰ ጾር ሕማም ሽኮርያ

ክትትል ሕክምና ናይ ነፍሰ ጾር ሕማም ሽኮርያ ኣብ ሓፈሻዊ ሓኪምኪ፡ መሕረሲትኪ ወይ ኣብ ናያ ሆስፒታል ክሊኒክ ክካየድ ይኽእል እዩ። እቲ ሕክምና ኣብ መጀመርታ ሰለስተ ነገራት ዝሓዘ እዩ፦ 

  1. ቅድሚን ድሕሪን ምግቢ ናይ ደም መጠን ሽኮር ምዕቃን 
  2. ኣመጋግባ ምቕያር 
  3. መዓልታዊ ኣካላዊ ምንቅስቓስ 

ትምህርቲ ብዛዕባ ኣተዓቓቕና መጠን ሽኮር ደም

መጠን ሽኮር ደምኪ ኣዝዩ ልዑል ከይከውን ንምርግጋጽ ብኸመይ ክትዕቅንዮ ኸም እትኽእሊ ክትምሃሪ ኢኺ። 

ኣብተን ቀዳሞት 1-2 ሰሙናት ቅድሚ ቁርሲ (መጠን ሽኮር ደም ኣብ ጾም) ከምኡውን ቍርስን ምሳሕን ምስ በላዕኪ ድሕሪ ክልተ ሰዓታት (ምናልባት እውን ድሕሪ ምሳሕ) ምዕቃን ይምከር። ድሕሪኡ፡ ከከም እቲ ውጽኢት መርመራኺ ተደጋጋምነት እቲ ኽትገብርዮ ዘሎኪ ምዕቃን መጠን ሽኮር ደም ይመዓራረ። 

ኣብ ኣመጋግባኽን መዓልታዊ ንጥፈታትክን ምትዕርራያት ምስ ገበርኪ፡ መጠን እቲ ኣብ ደምኪ ዘሎ ሽኮር ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ኣለዎ፦ 

  • መጠን ሽኮር ደም ኣብ ጾም፦ ትሕቲ 5.3 ሚሊሞል/ሊትር 
  • 2 ሰዓት ድሕሪ ምብላዕ ምግቢ፦ ትሕቲ 6.7 ሚሊሞል/ሊትር 

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ካብዚ ብዝያዳ ልዕሊ 2 መለክዒታት እንተ ረኺብኪ፡ ናብ ናይ ሆስፒታል ክሊኒክ ክትከዲ ኣሎኪ፣ ኣብኡ ድማ ክትትል ኣመጋግባን ንጥፈታትን ክግበረልኪ ኣለዎ፣ ከምኡውን ሽኮር ደም ዘጉድል መድሃኒት (ሜትፎርሚን ወይ ኢንሱሊን) ክትወስዲ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ክምርመር እዩ። 

 

 

ምኽሪ ኣመጋግባ ንናይ ነፍሰ ጾር ሕማም ሽኮርያ

ዕላማ እቲ ምስ ንናይ ነፍሰ ጾር ሕማም ሽኮርያ ብዝተሓሓዝ ዝምከር ኣመጋግባ፡ ንስኽን እቲ ዕሸልን እኹል ዝዀነ ኣድላዪ መኣዛታት ምግቢ ክትረኽቡን ሽኮር ደም ኣዝዩ ልዑል ከይከውንን ንምሕጋዝ እዩ። 

ብዙሕ ምግቢ ኣብ እተወሰነ ግዜ ካብ ምብላዕ፡ ቀቍሩብ ምግቢ ኣብ እተፈላለየ ሰዓታት ምብላዕ ዝለዓለ መጠን ሽኮር ደም ከተወግዲ ይሕግዘኪ እዩ። ንኣብነት፡ 3 ሳዕ ቀንዲ ምግብታትን 2-3 ሳዕ ከኣ ቍሩብ ከም ጠዓሞት ዝኣመሰለ ምግብታት ምብላዕ ክትፍትኒ ትኽእሊ ኢኺ። ኣብ መንጎ ድራርን ቁርስን ነዊሕ ግዜ እንተ ሓሊፉ (ልዕሊ 10-12 ሰዓታት)፡ ገለ ካርቦሃይድሬትን ፕሮቲንን ዝሓዘ ንእሽቶ ናይ ምሸት ምግቢ ምብላዕ ጽቡቕ ክኸውን ይኽእል እዩ። 

ንምሳሕን ድራርን ዝኸውን ናይ ኣመጋግባ ኣብነት፦ 

  • 1/2 ብያቲ ኣሕምልቲ 
  • ክሳብ 1/4 ብያቲ ብጽሕጎ (ፋይበር) ዝበልጸገ ናይ ካርቦሃይድሬት መግብታት (ዘይተዃእኵአ ፓስታ፡ ዘይተዃእኵአ ሩዝ፡ ዘይተዃእኵአ ፒታብሮ ዝብሃል ባኒ፡ ብማይ ዝበሰለ ድንሽ) 
  • 1/4 ወይ ልዕሊኡ ፕሮቲን (ዓሳ፡ ደርሆ፡ ስጋ፡ ፍረታት ጣፍ፡ ቶፉ) 

ካርቦሃይድሬት ዘለዎ ምግቢ 

ካርቦሃይድሬት ዘለዎ ምግቢ ምስ እትበልዒ ሽኮር ደምኪ ይውስኽ። ሽኮር ደምኪ ክሳብ ክንደይ ከም ዝውስኽ ኣብ ዓይነት እቲ ዝበላዕክዮ ካርቦሃይድሬት፡ ክንደይ ከም ዝበላዕክን ሓፈሻዊ ትሕዝቶ እቲ ዝበላዕክዮ ምግብን ይምርኮስ።  

ብፍላይ ኣብ እዋን ቁርሲ እትበልዕዮ መጠን ካርቦሃይድሬት ውሱን ክኸውን ይምከር፣ ምኽንያቱ መብዛሕትኡ ግዜ ኢንሱሊን ኣብ ንግሆ ቁሩብ ዝወሓደ ስራሕ ስለ ዝሰርሕ እዩ።  

እዚ ዝስዕብ ክትመርጺ ይሓይሽ፦  

  • መጠን ሽኮር ደምኪ በብቝሩብ ጥራይ ከም ዝውስኽ ዝገብር ብዙሕ ጽሕጎ (ፋይበር) ዘለዎ ምግብታት፣ ንኣብነት፡ ዘይተዃእኵአ ምግብታት (ምሉእ እኽሊ ዝዀነ)፡ ባልደንጓን ከምኡ ዝኣመሰለን፡ ብርስን፡ ፉልን ከምኡ ዝኣመሰለን፡ ኣሕምልቲ  
  • ካብ 75-100% ዘይተዃእኵአ ወይ ምሉእ እኽሊ ዝዀነ ምግብታት (ደረጃ 4 ናይ ጽሕጎ ደረጃ ዘለዎ)  
  • ካብ ኣጃ፡ ስገም፡ ሰዓዕ ከምኡውን ዘይተዃእኵአን (ምሉእ ሓርጭ ዝዀነ) ናይ ፊኖ መጠኑ ውሑድ ካብ ዝዀነን ስርናይ ዝተሰርሐ ባኒ ወይ ክነከብሮ ዝብሃል ዓይነት ባኒ  
  • ዘይዃእኩአ (ምሉእ እኽሊ ዝዀነ) ፓስታን ሩዝን ኣብ ክንዲ ካልእ ልሙድ ዝዀነ ዓይነታት   

መጠን እቲ እትበልዕዮ ካብ ዘይተዃእኵአ እኽሊ እተዳለወ መግብታት ከከም መጠን ሽኮር ደምኪ ክኸውን ኣለዎ። ኣብ ሓደ እትበልዕዮ ምግቢ ክህሉ ዘለዎ ከምዚ ዝስዕብ ክኸውን ይኽእል፦ 5 ዓብይ ማንካ ዝበሰለ ሩዝ ወይ ፓስታ፡ 1 ቍራጽ ባኒ፡ ½ ፒታብሮ ዝብሃል ዓይነት ባኒ፡ 30 ግ ሙስሊ ዝብሃል ዓይነት ጥረምረ ወይ 110 ግ ዝበሰለ ሰዓዕ (ሃብረግሮት)። 

ብዙሕ ተወሳኺ ሽኮርን ውሑድ ጽሕጎን ውሑድ ጠቓሚ ዝዀነ መኣዛታትን ዘለዎ መግብታትን መስተታትን ኣወግዲ፣ ከመይሲ፡ ንመጠን ሽኮር ደምካ ብቕልጡፍን ብዝለዓለ መጠንን ከም ዝውስኽ ክገብሮ ይኽእል እዩ። እቲ ኸተወግድዮ ዘሎኪ መግብታት እዚ ዝስዕብ እዩ፦ ኬክን ምቍር ዝዀነ ዓይነታት ባኒን፡ መብዛሕትኡ ዓይነታት ብሽኮቲ፡ ናይ ድንሽ ቺፕስ፡ ዋፍልን ፓንኬክን፡ ጻዕዳ ባኒን ፒሳን፡ ጻዕዳ ሩዝ፡ ናይ ሩዝ ገዓት፡ ሽኮር እተወሰኸሉ ርግኦ፡ ሽኮር እተወሰኸሉ ወይ ትሑት ጽሕጎ ዘለዎ ናይ ቍርሲ እኽሊ (እቶም ናይ መፍትሕ ምልክት ዘለዎም ምግብታት ምረጽ)፡ ናይ ፍረታት/ኣሕምልቲ ጽማቝ፡ ሽኮር እተወሰኾ መስተታት፡ ዓይነታት ካራሜላ፡ ዓይነታት መርማላታ ከምኡውን መዓር። 

ንመግብኻ ከተመቅርዮ እንተ ደሊኺ፡ መተካእታ ሽኮር ዝዀነ ነገራት ከምኡውን እቶም ኣብ ክንዲ ናይ ሓቂ ሽኮር ኣርተፊሻል መመቀሪ እተወሰኾም መግብታት ምረጺ። 

ጽምእኻ ንምርዋይ ማይ ጥራይ ስተዪ። 

ሓድሓደ ግዜ ምቁር ምግቢ ወይ ካልእ ብዙሕ ሽኮር ዘለዎ ነገር ክትበልዒ እንተ ደሊኺ፡ ብቝሩብ መጠን ድሕሪ ምግቢ ምብላዕካ ብልዕዮ። 

ኣሕምልትን ፍረታትን 

ነፍሰጾር ደቂ ኣንስትዮ መዓልታዊ ካብ 500-800 ግራም ኣሕምልትን ፍረታትን ክምገባ ኣለወን።   

ፍረታት ጠቐምቲ ዝዀኑ ቪታሚናት፡ ማዕድናትን ጽሕጎን (ፋይበር) ዝሓዘ ኮይኑ፡ ተፈጥሮኣዊ ሽኮር እውን ኣለዎ። ኣብ መዓልቲ ካብ ሓደ ክሳብ ሰለስተ ፍረታት ንምብላዕ ሸቶ ግበሪ፣ ኣብ ሓደ መኣዲ ግን ካብ ሓደ ፍረ ንላዕሊ ኣይትብልዒ። ገሊኦም ብፍላይ ንግሆ ፍረታት ክበልዑ የብሎምን። ሓደ ክፋል እቲ እትበልዕዮ ንኣብነት 1⁄2 - 1 ቱፋሕ፡ ፔረ ወይ ኣራንሺ ወይ ከኣ 1-2 dl ዓይነት እንጆሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ከም ባናና፡ ማንጎ፡ ኣናናስ፡ ወይኒ ዝኣመሰሉ ፍረታት ካብ ካልኦት ዓይነታት ፍረታት ብዝያዳ ሽኮር ዘለዎም ስለዝኾኑ ብድሩት መጠን ክትወስዲ ይግባእ። ነቒጹ ዝሽየጥ ምግብታት ክትበልዒ የብልክን።  

  • ካብ ካውሎፍዮሪ፡ ብሮኮሊ፡ ሰላጣ፡ ስፒናቺ፡ ኮሚደረ፡ ኩኩምበር፡ ፓፕሪካ፡ ሰለሪ ከምኡውን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ መግብታት ክንዲ ዝደለኽዮ ብልዒ  
  • ኣብ ኩሉ ቀንዲ መኣዲ ኣሕምልቲ እውን ብልዒ  
  • ኣሕምልቲ ኣብ ክንዲ ኣብሲልኪ ብጥረኡ ብልዒ፣ ምኽንያቱ፡ ዘይበሰለ ኣሕምልቲ ንመጠን ሽኮር ደምኪ ናይ ምውሳኽ ኣጋጣሚኡ ዝወሓደ እዩ  

ፍርያት ጸባ 

ፍርያት ጸባ ካብ ካልእ ነገራት ንላዕሊ ኣገዳሲ ምንጪ ካልሲየምን ኣዮዲንን ፕሮቲንን እዩ። ጸባ፡ ሽኮር ዘይተወሰኾ ርግኦን ከፊር ዝብሃል ዓይነት ርግኦን ላክቶስ ዝብሃል ናይ ጸባ ሽኮር ዝሓዘ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ሓደ መኣዲ ካብ 1 ኩባያ ንላዕሊ ክስተ የብሉን። ፎርማጆ ግን ሒደት ላክቶስ ጥራይ ስለ ዘለዎ፡ ኣብ መጠን ሽኮር ደም ብዙሕ ጽልዋ ኣይገብርን እዩ።  

ፕሮቲንን ስብሕን ዘለዎ ምግቢ 

ፕሮቲን ኣብ መጠን ሽኮር ደም ብዙሕ ጽልዋ የብሉን፣ ኣብ መብዛሕትኡ እትበልዕዮ መግብታትን ጠዓሞትን ፕሮቲን ዘለዎም መግብታት ክትምገቢ ይግባእ። ንኣብነት ቀይሕ ስጋን ደርሆን፡ ዓሳ፡ እንቋቑሖ፡ ልምሉም ዓይነት ፎርማጆ፡ ግሪኽ ርግኦ፡ ፎርማጆ፡ ጥረምረ፡ ብርስን፡ ከም ፉል ዝኣመሰሉ ጥረታት ክኸውን ይኽእል እዩ። 

ካልእ ነገራት ተሓዊስዎ እተጣሕነ ስጋ፡ ግዕዝም፡ ወይ ካልኦት ኣብ ፋብሪካ ዝፈረዩ ዓይነታት ስጋ ብዙሕ ስብሒ ስለ ዘለዎም እትወስድዮ መጠን ድሩት ክኸውን ይግባእ። ኣብ ፋብሪካ እተዳለዉ ፍርያት ስጋ እውን ብዙሓት ሰባት ክብደቶም ንኽውስኹ ኣበርክቶ ይገብሩ እዮም። 

ስብሒ ንመጠን ሽኮር ደም ኣይውስኽን እዩ፣ እንተኾነ ግን ብዙሕ ካሎሪ ስለ ዘለዎ ካብ መጠን ንላዕሊ ክብደት ሰብነት ንኸይትውስኽ ብዝግባእ መጠን ክብላዕ ይግባእ። ንእሽቶ መጠን ጥዕናዊ ስብሒ ማለት ከም ዓይነታት ፉል፡ ጥረታት፡ ኣቮካዶ፡ ኣውሊዕ፡ ዘይቲ ኣውሊዕ/ዘይቲ ካኖላ/ዘይቲ ሱፍ፡ ልምሉም ናይ ኣሕምልቲ ማርጋሪን፡ ዘይቲ ዘለዎ ዓሳ ምብላዕ ጽቡቕ እዩ። 

ኣብ እዋን ጥንሲ ኣየናይ ዓይነት ዓሳ ክትበልዒ ከም ዘይብልኪ ዝያዳ ኣንብቢ። 

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ኣብ እዋን ናይ ነፍሰጾር ሕማም ሽኮርያ

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ነቲ ኢንሱሊን ዝሓሸ ስራሕ ከም ዝሰርሕ ይገብሮ፡ ስለዚ ድማ ንናይ ነፍሰጾር ሕማም ሽኮርያ ኣብ ምሕካም ኣገዳሲ ግደ ኣለዎ። 

ኣብ ሰሙን እንተወሓደ ን150 ደቓይቕ ኣካላዊ ንጥፈታት ክህልወኪ ጽዓሪ። ኣተነፋፍሳኺ ከም ዝውስኽን ከም ዘርህጸክን ዝገብር ምንቅስቓስ ግበሪ።  

ኣብ መዓልታዊ ህይወትኪ ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምግባር፡ ብኣካልን ብኣእምሮን ዝሓሸ ስምዒት ክስምዓኪ እውን ክሕግዘኪ ይኽእል እዩ። 

  • ድሕሪ ምግቢ ምብላዕኪ ዝግበር ምንቅስቓስ መጠን ሽኮር ደምኪ ከይውስኽ ክድርቶ እዩ።  
  • ነቲ ንጥፈት ኣብ እተፈላለየ ኽፋላት ንኣብነት ኣብ ሓደ እዋን ናይ ዓሰርተ ደቒቕ ምንቅስቓስ ብምግባር ክትመቓቕልዮ ትኽእሊ ኢኺ።  
  • ብዙሕ ምንቅስቓስ ዘይትገብሪ እንተ ዄንኪ፡ ኣብ መብዛሕትኡ መዓልታት ሰሙን ን30 ደቓይቕ ብእግሪ ምኻድ ጽቡቕ ሸቶ ክኸውን ይኽእል እዩ። 

ኣብ እዋን ጥንሲ ብዛዕባ ዝግበር ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝያዳ ኣንብቢ። 

ድሕሪ ሕርሲ

መብዛሕትኡ ግዜ ናይ ነፍሰጾር ሕማም ሽኮርያ ድሕሪ ሕርሲ ዝጠፍእ እኳ እንተ ዀነ፡ ናይ ነፍሰጾር ሕማም ሽኮርያ ዝነበረን ደቂ ኣንስትዮ ግን ኣብ ዳሕረዋይ ክፋል ዕድሚአን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ክሓምማ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። ነቲ ብሰበ ስልጣን ጥዕና ብዛዕባ ኣመጋግባ ከምኡውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ዝወሃብ ምኽሪ እንተ ስዒብክን ንቡር ክብደት ኣካላት እንተልዩክን ግን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ናይ ምሕማም ኣጋጣሚኺ ኣዝዩ ይንኪ እዩ።    

ናይ ነፍሰጾር ሕማም ሽኮርያ እንተ ኣጋጢሙኪ፡ ድሕሪ ሕርሲ ኣስታት ኣርባዕተ ወርሒ ጸኒሕኪ፡ ድሕሪኡ ድማ ኣብ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ መጠን ሽኮር ደምኪ ንቡር ምዃኑ ንምርግጋጽ ኣብ ሓኪምኪ ክትምርመሪ ኣለኪ። 

ናይ ነፍሰጾር ሕማም ሽኮርያ እንተ ኔሩኪ፡ ኣብ ካልኣይ ጥንስኽ እውን በዚ ሕማም እዚ ኽትተሓዚ ልዑል ተኽእሎ ኣሎ። እንደገና በቲ ሕማም ከይትተሓዚ ዝሕግዘኪ እቲ ኣዝዩ ዝበለጸ መከላኸሊ፡ ቅድሚ ምጥናስኪ ንቡር ክብደት ኣካላት ክህልወኪ፡ ኣብ እዋን ጥንሲ እውን ብዙሕ ክብደት ሰብነትኪ ከይውስኽ ክትጥንቀቒ ብምጽዓር እዩ። 

​Nasjonal faglig retningslinje for svangerskapsdiabetes (ISBN 978-82-8081-514-9). https://helsedirektoratet.no/retningslinjer/svangerskapsdiabetes        

ነዚ ጽሑፍ ዘዳለወ Helsedirektoratet

መወዳእታ ዝተመሓየሸ ረቡዕ፣ 26 ሰነ መዓልቲ 2024 ዓ/ም