Mpox

Mpox (ቅድሚ ሕጂ ፈንጣጣ ህበይ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ) ቫይረሳዊ ሕማም ኮይኑ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ብቐረባ ኣካላዊ ምትንኻፍ ዝመሓላለፍ እዩ። እቲ ሕማም ንመብዛሕትኦም ሰባት ቅልል ዝበለ ኮይኑ ብዘይ ዝኾነ ጣልቃ ምትእትታው ይመሓላለፍ። እቶም በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ምልክታት በቕጥ ዝመስል ዕንፍሩር የስዕበሎም።

mpox ንፈለማ እዋን ኣብ ደቂ ሰባት ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ (Democratic Republic of the Congo, DRC) ኣብ 1970 እዩ ኣጋጢሙ። ካብ 1980ታት ጀሚሩ፣ ኣብ ዝተወሰና ሃገራት ብቐንዱ ኣብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ናይጀርያን ቁጽሪ ናይቶም በቲ ቫይረስ ዝተለኽፉ ሰባት ቀስ ብቐስ እናወሰኸ ክመጽእ ጸኒሑ። እዚ ምስ ምዝዛም ስሩዕ ክታበት ሕማም በዲዶ ኣብ 1980 ዝተኣሳሰር ክኸውን ይኽእል። 

ዓለምለኻዊ ለበዳ mpox (ንኡስ ዓይነት II) ኣብ 2022 ዝጀመረ ኮይኑ፣ ብቐንዱ ብጾታዊ ርክብ ዝላባዕ እዩ። ካብ 2023 ጀሚሩ፣ ኣብ DRC ብዝሒ ቁጽሪ ብmpox (ንኡስ ዓይነት I) ዝተለኽፉ ሰባት ብልዑል ናህሪ ክውስኽ ጸኒሑ እዩ። ውድብ ጥዕና ዓለም (World Health Organization, WHO) እቲ ለበዳ ኣህጉራዊ ቅልውላው ህዝባዊ ጥዕና ምዃኑ ብ14 ነሓሰ 2024 ኣዊጁ። ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ብፍላይ ተጠቒዓ እያ፣ ግን ቁጽረን እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ እውን ተጠቒዐን እየን።

ኣብ ኖርወይ ናይ ምልካፍ ሓደጋ ትሑት እዩ።

ብኸመይ ብmpox ትልከፍ

መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝኽሰት መልከፍቲ ብሰንኪ በቐጥ ዝመስል ዕንፍሩርን ኣካላዊ ፈሰስትን ብቐረባ ኣካላዊ ምትንኻፍ እዩ ዘጋጥም። ምስ ዝተለኽፈ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ነቲ ሓደጋ ከም ዝውስኽ ይገብሮ። ካብ ኣካላት ብዝነጥር ፈሳሲ ኣቢልካ እውን ክትልከፍ ትኽእል ኢኻ፣ ከም ብሰዓልን ምህንጣስን ዝመጽእ፣ እዚ ግን ንነዊሕ እዋን (ሰዓታት) ጥቡቕ ኣካላዊ ምትንኻፍ የድልዮ።

ሓደ ሰብ ምስ ሓወየ ነዊሕ ድሕሪ ምጽናሕ፣ ህላወ ናይቲ ቫይረስ ኣብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ከም ዘሎ ተለለዩ፣ እዚ ንዝያዳ መልከፍቲ ሓደጋ ዘስዕብ ድዩ ኣይኮነን ግን ርጉጽ ኣይኮነን። ስለዚ ድሕሪ ምሕዋይካ ጾታዊ ርክብ ኣብ እዋን ን12 ሰሙናት ኮንዶም ክትጥቀም ይምከር።

እቲ ቫይረስ ኣብተን እቲ ሕማም ተፈጥሮኣዊ ዝርገሐ ዘለዎ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ ቀርጠፍቲ (ከም ኣንጭዋ ምጹጽላይ ወዘት ዝኣመሰሉ እንስሳታት) ናብ ሰብ ክመሓላለፍ እውን ይኽእል እዩ።

ምልክታት ቅድሚ ምርኣዩ ክሳብ ክንደይ ዝነውሕ ግዜ ክትልከፍ ትኽእል?

ብተለምዶ ካብታ መልከፍቲ ዘጋጠመላ መዓልቲ ክሳብ ትሓምም ካብ 6 ክሳብ 13 መዓልታት ይወስድ (ናይ ምጭጫሕ ግዜ)፣ እዚ ግዜ ግን ይፈላለ እዩ ከምኡ ድማ ክሓጽር ወይ ክነውሕ ይኽእል (ክሳብ 21 መዓልታት)። 

ምልክታት ምስ ዝህልወካ ጥራይ ኢኻ ነቲ መልከፍቲ ናብ ካልኦት ከተመሓላልፎ እትኽእል። ብኻልእ ኣዘራርባ፣ ኣብ እዋን ምጭጫሕ ቅድሚ ምሕማምካ ንኻልኦት ሰባት ከተመሓላልፈሎም ኣይትኽእልን ኢኻ።

ምልክታት ናይ mpox እንታይ እዮም?

እቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ምልክታት mpox እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

  • በቐጥ ዝመስል ዕንፍሩርን ረስንን (ልዕሊ 38°C)
  • ዝሓበጠን ቃንዛ ዘለዎን ሱር ዕያገንዳ
  • ዝቖሰለ ጎሮሮ
  • ሕማም ርእሲ
  • ድኻም
  • ቃንዛ ጭዋዳታት

እቲ ዕንፍሩር ማይ ክሙዕግ ይጅምር፣ እዚ ድማ ይጠምም እሞ ድሕሪኡ ይነቅጽን ይጎድልን። በሰላ ከጋጥም ይኽእል እዩ። 

እቲ ዕንፉርር ብተለምዶ ካብቲ ንመልከፍቲ ዝተቓልዐ ክፋል ኣካላት እዩ ዝጅምር። ንብዙሓት በቲ ለበዳ ኣብ 2022 ዝተጠቕዑ ሰባት፣ እቲ ዕንፍሩር ኣብ ከባቢ ብልዕትን ከባቢ መሃንቱስን እዩ ጀሚርዎም። ብዙሓት በቲ ሕማም ዝተለኽፉ ሰባት ጥራይ እዮም ውሑዳት ማይ ዝማዓጐ ዕንፍሩር ኣማዕቢሎም።

እቲ ዕንፉሩር ኣብ ካልእ ቦታታት ኣካላትና ከም ገጽ፣ ኣፍ ወይ ኣእዳው እውን ክጅምር ይኽእል። ገለ ገለ ሰባት  እውን ኣብ ከብዲ ኢዶምን ጫፍ እግሮምን ዕንፉሩር የጋጥሞም። ኣብ ከቢድ ኩነታት፣ እቲ ዕንፉሩር ናብ ዝተረፈ ክፋል ኣካላት እውን ክዝርጋሕ ይኽእል። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት እቲ ዕንፉሩር ንሕማም ፍሮማይ ክመስል ይኽእል። 

ገለ ሰባት ኣብቲ ዕንፉሩርን ከባቢኡን፣ እንተላይ ኣብ ሱር ዕያገነዳ ቃንዛ የጋጥሞም።

ህጻናት፣ ነፍሰጾራትን ድኹም ስርዓተ ምክልኻል ሕማም ዘለዎም ሰባትን ብሰንኪ mpox ብኸቢድ ናይ ምሕማም ሓደጋኦም ዝለዓለ እዩ።

እቲ ምልክታት ብተለምዶ ካብ 2 ክሳብ 4 ሰሙን ይጸንሕ። ካብ ምጅማር ምልክታት ጀሚሩ ክሳብ እቲ ማይ ዝሞዓጐ ዝጎድልን ኣብ ትሕቲኡ ሓድሽ ቆርበት ዝፍጠርን (ከባቢ 3 ሰሙን) ኣላባዒ/ለባዲ ኢኻ።

ምርመራ ምግባር፣ መርመራን ሕክምናን

ንመልከፍቲ ተቓሊዕካ እንተኔርካካ፣ ንምልክታት ናይቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሕማም ብፍሉይ ከተቕልበሉ ይግባእ። 

ብmpox ክትልከፍ ከም እትኽእል እንተጠርጢርካ ምስ ካልኦት ሰባት ብቐረባ ኣካላዊ ምትንኻፍ ካብ ምግባርን ክትቁጠብን ንሓኪምካ ክትውከስን ይግባእ። እቶም ምልክታት ምስ ብዙሓት ካልኦት ልሙዳት ሕማማት ክመሳሰሉ ይኽእሉ። ስለዚ ብሓኪም ክትምርመር ኣገዳሲ እዩ፣ ንሱ ድማ መርመራ ክትገብር ኣለካ ዶ የብልካን ዝብል ኣብ ግምት ከእቱ እዩ። ክሳብ ትሓምም በቲ ሕማም ተለኺፍካ ኣለኻ ዲኻ የለኻን ንምፍላጥ መርመራ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ።

መብዛሕትኦም ሰባት ካብ ምልክታት ምፍዋስ ሓሊፉ ዝኾነ ዓይነት ሕክምና ኣየድልዮምን እዩ፣ ከም ጸረ-ረስኒ ወይ ጸረ ቃንዛ መድሃኒት ጥራይ ይወሃቦም።

ከቢድ ሕማም ወይ ኣብ ሆስፒታል ምድቃስ ዘጋጥሞም ሰባት ሳሕቲ እዩ።

መርመራ፣ መርመራን ሕክምናን ብነጻ እዩ።

ክታበት Mpox

ኣንጻር mpox ንኽትጥቀመሉ ክታበት ኣሎ። እዚ ክታበት ቅድሚ ወይ ድሕሪ መልከፍቲ ክውሃብ ይኽእል። እቲ ክታበት፣ ብmpox ናይ ምልካፍ ሓደጋ ዝለዓለ ሓደጋ ንዘለዎም ሰባት ዝቐርብ እዩ። 

እቲ ክታበት ሓደ ሓደ ግዜ ነቶም ንመልከፍቲ mpox ንዝተቓልዑ ሰባት ይወሃብ። እዚ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መልከፍቲ ኣብ ግምት ይኣቱ። ነቲ ቫይረስ ምስ ተቓላዕካ ምኽታብ፣ ግድን ካብ ምሕማም ዝከላኸለካ ኣይኮነን፣ እንተኾነ ግን ነቲ ምልክታት ቅልል ዝበለ ክገብሮ ይኽእል እዩ። እቲ ክታበት ድሕሪ ምልካፍካ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት እንተተዋሂቡ ዝበለጸ መከላኸሊ ክህበካ እዩ፣ ምልክታት ምስ ኣማዕበልካ እንተተዋሂቡካ ድማ ምናልባት ውሑድ ወይ ውን ዋላ ሓንቲ ውጽኢት ኣይህልዎን።

ብዛዕባ ክታበት mpox ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።

ጉዕዞ

ኣብዚ እዋን እዚ ናብ ለበዳ mpox ዘለወን ሃገራት ምጉዓዝ ዘፍርሕ ኣይኮነን።

ዝኾነ ናብ ለበዳ mpox ከም ዘለዎ ዝፍለጥ ዞባ ክጓዓዝ ወይ ክጸንሕ ዝሓስብ ሰብ፤

  • ብዛዕባ'ቲ ትኸዶ ዘለኻ ቦታ ሓፈሻዊ ኩነታት ክትፈልጥን ብናይቲ ከባቢ ሰበስልጣን ዝወሃብ ምኽሪ ክትክተልን ይግባእ።
  • ምስ ዝኾነ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፈ ሰብ ብቐረባ ኣካላዊ ምትንኻብ ምግባር ከወግድ ይግባእ።
  • ብዙሓት/ግዝያዊ ጾታዊ መጻምድቲ ካብ ምህላው ክቑጠቡ ይግባእ።
  • ምስ ህያዋንን ዝሞቱን እንስሳታት ብቐረባ ኣካላዊ ምትንኻፍ ካብ ምግባር ክቕጠብ ይግባእ።
  • ብግቡእ ዘይበሰለ ስጋን ካብ እንስሳ ዘገዳም ዝመጽእ ስጋን (ስጋ እንስሳ ዘገዳም) ካብ ምብላዕ ክቑጠቡ ይግባእ ።

ከም ወትሩ ጽቡቕ ጽሬት ኣእዳው ኣገዳሲ ስጉምቲ መቆጻጸሪ መልከፍቲ እዩ።

ብዛዕባ mpox ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ትካል ህዝባዊ ጥዕና ኖርወይ ክርከብ ይከኣል።

ነዚ ጽሑፍ ዘዳለወ Folkehelseinstituttet, Helsedirektoratet

መወዳእታ ዝተመሓየሸ ሠሉስ፣ 10 መስከረም መዓልቲ 2024 ዓ/ም