ፍንጣጣ ህበይ

ፍንጣጣ ህበይ ብቐረባ ምትንኻፍ ዝመሓላለፍ ኮይኑ፡ ከም ረስኒ፡ ሕበጥ ጽክታት ሊምፍ ኖድ ዝኣመሰለ ነገራት፡ ከምኡውን መብዛሕትኡ ግዜ ዘሳሕን ማይ ዝመዓጐን ዕንፍሩር የስዕብ። መብዛሕትኦም ሰባት ዝኾነ ዓይነት ሕክምና ኣየድልዮምን እዩ።

ፍንጣጣ ህበይ ብቫይረስ (monkeypoxvirus) ዝመጽእ ኮይኑ፡ ረስንን ዕንፍሩርን/ሹፍታ የስዕብ። እዚ ሕማም ኣብ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብ እንስሳታት ናብ ሰብ ከም ዝመሓላለፍ ይፍለጥ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ኣብ ዘጋጠመ ለበዳ (ኣብ ግንቦት 2022 ዝተረኽበ)፡ ዕንፍሩር፡ ካብ ሰብነት ዝወጽእ ፈሳሲ ነገራት
ምስ ዘለዎም ሰባት ብቐረባ ብምርኻብ ከም ዝመሓላለፍ ተራእዩ እዩ። ምስ ሓደ ዝተለኽፈ ሰብ ጾታዊ ርክብ
ምግባር ዝለዓለ ናይ ምልካፍ ኣጋጣሚ ዝፈጥር ኰይኑ፡ ኣብዚ ናይ ቀረባ እዋናት ለበዳ ድማ እዚ ብብዝሒ ተራእዩ
እዩ፣ ክሳብ ሕጂ ብቐንዱ ንደቂ ተባዕትዮ ዝጸለወ እዩ። ምስዕዓም እውን ነቲ ናይ ምልካፍ ሓደጋ ይውስኽ እዩ።
ብናይ ዝሓመመ ሰብ ፈሳሲ ነጠብጣብ ኣቢሉ ረኽሲ ዝፍጠር፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስቲ ዝሓመመ ሰብ ንነዊሕ ግዜ
(ሰዓታት) ናይ ቀረባ ርክብ ምስ ዝህልወካ እዩ።

ሓደ ሰብ ምስ ሓወየ እውን ኣብ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ እቲ ቫይረሳት ንነዊሕ እዋን ከም ዝጸንሕ ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ
ቫይረሳት ዝሞተ ድዩ ዋላስ ህያው ቫይረሳት ብልክዕ ስለ ዘይተፈልጠ፡ በቲ ቫይረስ ናይ ምልካፍ ልዑል ሓደጋ ከም
ዘሎ ዘርኢ እዩ። ስለዚ፡ ድሕሪ ምሕዋይካ እውን ን12 ሰሙናት ኣብ እዋን ጾታዊ ርክብ ኮንዶም ክትጥቀም
ይምከር።

ምልክታት እቲ ሕማም ዝረአ ድሕሪ መልከፍቲ ክንደይ እዋን ጸኒሑ እዩ፧ 

ካብቲ መልከፍቲ ክሳብ ምልክታት ዝረኣየሉ ግዜ ካብ 5-21 መዓልታት (መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 6-13 መዓልታት)
እዩ ዝወስድ።

ምልክታት ሕማም ፍንጣጣ እንታይ እዩ፧

እቶም ናይ መጀመርታ ምልክታት መብዛሕትኡ ግዜ ረስኒ፡ ከቢድ ድኻም፡ ቃንዛ ርእሲ እዩ። ቃንዛ ጭዋዳታትን
ምትራርን እውን ልሙድ እዩ። ድሕሪኡ ኣብ ገሊኦም ጽክታት ሊምፍ ይሓብጥ፣ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ወይ ድሕሪ
ገለ መዓልታት ድማ ዘሳሕን/ወይ ቃንዛ ዘለዎን ሕበጥ ቍስሊ ይምዕብል። እቲ ዕንፍሩር ናብ ማይ ዝመዓጐ ቍስሊ ይምዕብል፣ እዚ ድማ ጸኒሑ ይነቅጽን ይቕለጥን እዩ። ድሕሪኡ በሰላ ከጋጥም ይኽእል እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት ዘጋጠመ ለበዳ (ኣብ ግንቦት 2022 ዝተረኽበ)፡ መብዛሕትኦም እቶም በቲ ሕማም እተለኽፉ
ኣብ ከባቢ ብልዕትን መዓኮርን መሃንቱስን ዕንፍሩር ክወጾም ጀሚሩ ነይሩ። እቲ ዕንፍሩር ኣብ ገጽ ወይ ኣብ ኣፍ
እውን ክጅምር ይኽእል እዩ፣ ድሕሪኡ ናብ ዝተረፈ ኣካላት ክዝርጋሕን ንፍንጣጣ/በዲዶ ክመስልን ይኽእል እዩ።
ንገለ ሰባት እውን ኣብ ከብዲ ኢዶምን ወይ ከብዲ እግሮም ዕንፍሩር ከጋጥሞም ይኽእል እዩ። እቲ ዕንፍሩር
ስሑው/ውሑድ፡ ማለት ሒደት ማይ ዝመዓጐ ቍስሊ ጥራይ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ከም ሀርፒስ ዓይነት ሕማም
ከኣ ክመስል ይኽእል።

ምስ ብዙሓት ወይ ሓደስቲ መጻምድቲ ጾታዊ ርክብ ዝገብር ሰብ፡ ነቲ ምልክታት እቲ ሕማም ኣቓልቦ ክገብረሉ
ይግባእ፦ ረስኒ፡ ቃንዛ ጭዋዳታት፡ ሕበጥ ጽክታት ሊምፍ፡ ሕማም ርእሲ ከምኡውን ሕበጥ ወይ ቍስሊ።

እቲ ሕማም ክሳዕ ዝሓዊ ከም ንቡር ካብ 2 ክሳብ 4 ሰሙን ይወስድ። ካብ ምጅማር ምልክታት ጀሚሩ ክሳብ እቲ
ቅራፍ እቲ ቝስሊ ዝወድቕን ኣብ ትሕቲኡ ሓድሽ ቆርበት ዝፍጠርን (ኣስታት 3 ሰሙን) ነቲ ሕማም ንኻልኦት
ከተመሓላልፍ ትኽእል ኢኻ።

ብፍንጣጣ ህበይ እንተ ተለኺፍካ ወይ ድማ ከም ዝተለኽፍካ እንተ ጠርጢርካ፡ ምስ ካልኦት ብቐረባ ክትራኸብ
የብልካን።

መርመራን ሕክምናን

ምልክታት ሕማም እንተ ኣልዩካን ሕማም ፍንጣጣ ህበይ ምስ ዝሓመመ ሰብ ተራኺብካ ከም ዝነበርካ እንተ ጠርጢርካን፡ መርመራ ምእንቲ ኽእዝዘልካ ናብ ሓኪም ደውል። ምልክታት ሕማም ፍንጣጣ ህበይ ክረአ ቕድሚ ምጅማሩ፡ እቲ ሕማም እንተልዩካ ብመርመራ ክትፈልጥ ኣይትኽእልን ኢኻ። መብዛሕትኦም ዝሓመሙ ሰባት፡ ካብ ከም ረስኒ ዝንኪ መድሃኒት/ፈውሲ ቓንዛ ዝኣመሰለ መድሃኒታት ወጻኢ ካልእ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ሕክምና ኣየድልዮምን እዩ። ከቢድ ሕማም ዘስዕብ ሳሕቲ ጥራይ እዩ። ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ሆስፒታል ምእታው ኣድላዪ ኪኸውን ይኽእል እዩ። መርመራታትን ሕክምናን ብናጻ እዩ ዝግበር።

ብዛዕባሕማም ፍንጣጣ ህበይ ዝያዳ ሓበሬታ ኣብ fhi.noክትረክብ ትኽእል ኢኻ።

ክትባት

እቲ ንፍንጣጣ ህበይ ዝወሃብ ክትባት፡ እቲ ሳልሳይ ወለዶ ክታበት ፍንጣጣ እዩ። ብዛዕባ እዚ ክታበት ዝህቦ ጥቕሚ ሒደት ኣፍልጦ ጥራይ እኳ እንተሎ፡ ቅድሚን ድሕሪን ምሕማምካ ክወሃብ ይኽእል እዩ፣ ከይትሓምምን ምስ ሓመምካ ድማ ብኸቢድ ከይትሓምም ክከላኸል ከም ዝኽእል ይግመት። ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ብዓለምለኸ ደረጃ እዚ ክትባት ሒደት እዩ ዝርከብ፣ ስለዚ፡ ብዛዕባ እቶም ቀዳምነት ዝወሃቦምን ብዛዕባ እቲ ኣጠቓቕማ እቲ ዘሎ ክትባትን ክትትል ይግበረሉ እዩ።

ነዚ ጽሑፍ ዘዳለወ Folkehelseinstituttet, Helsedirektoratet

መወዳእታ ዝተመሓየሸ ሰኑይ፣ 29 ነሓሰ መዓልቲ 2022 ዓ/ም