ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ
ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዝብሃል ኣብ ደምና ኣዝዩ ልዑል ዝኾነ ሽኮር ክህሉ ኸሎ ዝኽሰት ሕማም እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ኣነባብራኦም ብምቕያር ንግስጋሰ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ከደናጉዩ ወይ ድማ እቲ ሕማም ንዘስዕቦ ጕድኣት ከጉድልዎ ይኽእሉ እዮም።
ምልክታት ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ
ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ምስ ግዜ ዝምዕብል ኰይኑ፡ ኣብ መጀመርታ ሒደት ምልክታት ጥራይ እዩ ዘርኢ። እቲ ሕማም ከም ዘሎካ ብመርመራ ቅድሚ ምፍላጥካ፡ ንነዊሕ እዋን ሒዙካ ጸኒሑ ክኸውን ይኽእል እዩ፣ ምናልባት ድኻም ምዃንን ድኻምን ክስመዓካ ይኽእል እዩ፣ ክብደትካ ክቕንስን ዘይንቡር ጽምኢ ክህልወካን እውን ይኽእል እዩ።
ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ምልክታት ናይቲ ሕማም ስለ ዘይብሎም፡ ሓኪም ንዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ብዝያዳ ዘቃልዑ ካልኦት ረቛሒታት ክምርምር ኣለዎ፣ ገለ ኻብኡ እዚ ዝስዕብ እዩ፦
- ልዕሊ ዓቐን ዝዀነ ክብደትን ክራሸን
- ዓቢ ዙርያ ሽምጢ ወይ ገዚፍ ከብዲ (ንደቂ ተባዕትዮ ልዕሊ 94 ሴንቲ ሜተር ንደቂ ኣንስትዮ ድማ 80 ሴንቲ ሜተር)
- ውሑድ ኣካላዊ ምንቅስቓስ (ኣብ መዓልቲ ትሕቲ 30 ደቓይቕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ)
- ብዙሕ ስጋ፡ ስብሒ ዘለዎ ምግቢ፡ ተዓሺጉ ዝሽየጥ ምግብታት፡ ብዙሕ ሽኮር ዘለዎ ምግብን መስተን ዘለዎ ኣመጋግባ ከምኡውን/ወይ ውሑድ ጽሕጎ ጥራይ ዘለዎ፡ ውሑድ ምሉእ እኽሊ፡ ሒደት ፍረታትን ኣሕምልትን ዘለዎ ኣመጋግባ
- ብውርሲ ዝመጽእ (ወለድኻ ወይ ኣሕዋትካ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ እንተሃልይዎም ንስኻ እውን ዝለዓለ ሓደጋ ኣሎካ)
- ዓሌት (ካብ ኤስያን ኣፍሪቃን ዝመበቈሎም ሰባት፡ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ናይ ምምዕባል ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ)
- እርጋን (እናዓበኻ ክትከይድ ከለኻ ኢንሱሊን ሰብነትካ ዓቕሙ ዝወሓደ ይኸውን)
- ኣጠቓቕማ ኮርቲኮስተሮይድ (ንኣብነት ፕረድኒሶሎን) ከምኡውን ገሊኡ ናይ ስነ ኣእምሮ መድሃኒታት (ንኣብነት ክሎዛፒንን ኦላንዛፒንን)
- ምትካኽ ሽጋራ
- ቅድሚ ሕጂ ዘጋጠመ ናይ ነፍሰ ጾር ሕማም ሽኮርያ
ብዙሓት ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት እዚ ዝስዕብ እውን ኣለዎም፦
- ፖሊሲስቲክ ኦቫሪ ሲንድሮም (PCOS)
- ልዑል ጸቕጢ ደም
- ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን
- ኣብ እዋን ድቃስ ምትንፋስ ምቁራጽ (ድቃስ ዝኸልእ ጸገም ምስትንፋስ)
መርመራን ውጽኢት መርመራን
መርመራ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር፡ ናይ ነዊሕ እዋን መጠን ሽኮር ኣብ ደም (HbA1c) ብምዕቃን ብዝግበር መርመራ ደም እዩ ዝካየድ። እቲ መርመራ ደም፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ክሳብ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ኣካላትካ ዝነበረ ማእከላይ መጠን ሽኮር ደም ዘርኢ እዩ።
መጠን ናይቲ ኣብ ዝተፈላለየ መዓልታት ዝተወሰደ ክልተ ናሙናታት መርመራ ናይ ነዊሕ እዋን መጠን ሽኮር ኣብ ደም (HbA1c) ካብ 48 ሚሊሞል/ሞል ዝዓቢ ወይ ማዕረ እንተ ዀይኑ ሕማም ሽኮርያ ኣሎካ ማለት እዩ። እቲ ውጽኢት 42–46 ሚሊሞል/ሞል እንተ ዀይኑ፡ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ናይ ምምዕባል ሓደጋ ኣሎካ ማለት እዩ። ስለዚ፡ ምስ ሓኪምካ ነቲ ሕማም ናይ ምምዕባል ሓደጋ ንምንካይ እንታይ ክትገብር ከም እትኽእል ክትዘራረብ ኣሎካ፡ እቲ ናይ ነዊሕ እዋን መጠን ሽኮር ደም ድማ በብዓመቱ ክትዕቅኖ ይግባእ።
ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ምስ ዝህልወካ ኣብ ኣካላትካ እንታይ የጋጥም፧
ኣብ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር፡ ድሕሪ ምግቢ ኣብ ደም ዝዘውር ሽኮር (ግሉኮስ) ብዋህዮታት ኣካላትና ብግቡእ ኣይውሰድን እዩ። እቶም ዋህዮታት እኹል ግሉኮስ ዘይወስዱሉ ምኽንያት፡ ናይቲ ኢንሱሊን ከምቲ ዝድለ ጽቡቕ ጌሩ ብዘይምስራሑ ከምኡውን/ወይ ድማ ኣካላትና እኹል ኢንሱሊን ከፍሪ ብዘይምኽኣሉን እዩ።
ኢንሱሊን ኣብ ጣፍያ ዝፍጠር ሆርሞን ኰይኑ፡ ካብቲ ኣብ እትበልዖ መግቢ ዝርከብ ካርቦሃይድሬት ዝወጽእ ግሉኮስ ናብ ዋህዮታት ኣካላትና ከም ዝኣቱን ከም ጸዓት ወይ ሓይሊ ኸም እንጥቀመሉን ዝገብር እዩ። ኣብ ደምና ምስ ግዜ ብዙሕ ግሉኮስ ምህላው ንብዙሓት ክፍልታት ኣካላትና ይጎድእ እዩ።
ትምህርትን ንርእስኻ ምክንኻንን
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ከምኡውን ጥዑይ ኣመጋግባ ንሓደጋ ምምዕባል ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ከጉድል ይኽእል እዩ፣ ከምኡውን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ እንተሃልዩካ ርእስኻ ንኽትከናኸን ብቐንዱ ይሕግዝ እዩ።
ኣካላዊ ምንቅስቓስን ስፖርትን ኣብ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮር
ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምስ ለውጢ ኣመጋግባ ተደሚሩ፡ ነቲ ዘሎካ ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ንኽትቈጻጸሮ ብቐንዱ ኽሕግዘካ እዩ፣ መጠን እቲ እትወስዶ መድሃኒት ንኽንኪ እውን ኣበርክቶ ኽገብር ይኽእል እዩ።
ናይ ኣነባብራ ለውጢ፡ ነቲ በቲ ሕማም ከጋጥመካ ዝኽእል ጕድኣትን ንመጠን እቲ ዘድልየካ መድሃኒትን ክንክዮ ይኽእል እዩ። ገሊኦም ሰባት እውን ኣብ ኣነባብራኦም ዓበይቲ ለውጥታት ብምግባር ነቲ ሕማም እውን ከይተረፈ ከጥፍእዎ ይኽእሉ እዮም። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ልዕሊ ዓቐን ዝዀነ ኽብደት እንተልዩካ ካብ ክብደትካ ብዙሕ ምንካይ የጠቓልል። መብዛሕትኡ ግዜ፡ እንተ ወሓደ ካብ 5-15% ክብደት ምጉዳል ኣድላዪ እዩ። እዚ ድማ ግስጋሰ እቲ ሕማም ህድእ ዝብለሉ እዋን ዝብሃል ኰይኑ፡ ብሳላ እቲ ኣብ ኣነባብራኻን ክብደትካን ዝገበርካዮ ለውጢ፡ ሽኮር ደምካ ንቡር ኰይኑ ይቕጽል፡ እንተኾነ ግን እቲ ሕማም ክምለስ ይኽእል እዩ። እዚ ዕላማ እዚ እንተ ዘይብልካ እውን፡ ኣብ ኣነባብራ እትገብሮ ንኣሽቱ ለውጥታት እውን ኣብ ጥዕናኻ ኣወንታዊ ጽልዋ ክህልዎም ይኽእል እዩ።
ኣብ ኣነባብራ ለውጢ ምግባርን ጽቡቕ ርእሰ ክንክንን ንምግባር ጻዕርን ፍልጠትን ይሓትት። ካብ ሓፈሻዊ ሓኪምካ፡ ካብ ሆስፒታል ወይ ኣብ ኮሙን ካብ ዝርከቡ ከም ፍሪስክሊቭሰንትራል (Frisklivssentral) ዝኣመሰሉ ኣገልግሎታት መምርሕን ደገፍን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣብ ከባቢኻ ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ብዛዕባ ግብራዊ መዳያት ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዝምልከት ናይ ሓበሬታ ኮርስ ክወሃበካ መሰል ኣሎካ።
ከጋጥመካ ንዝኽእል መጉዳእቲ ምክልኻል
ሕክምና ሕማም ሽኮርያ ናይ ደም ሽኮር ንምንካይ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ንሓደጋ ሕማም ልብን ስርዓተ ደምን ከምኡውን ካልእ ብሰንኪ ሕማም ሽኮርያ ዝመጽእ ጉድኣት (ናይ ምርኣይ ጸገም፡ ምጉዳል ስምዒት ኣብ እግሪ፡ ኣብ ኩሊት ዝስዕብ ጕድኣት፡ ስንፈተ ወሲብ) ንምንካይ ዝዓለመ እዩ።
እዚ ዝስዕብ ረቛሒታት ብሰንኪ ሕማም ሽኮርያ ንዝመጽእ ጕድኣታት ኣብ ምንካይ ኣበርክቶ ኽገብሩ ይኽእሉ እዮም፣ ስለዚ ምስ ሓኪምካ ክትዘራረበሉ ኣገደስቲ እዮም፦
- ኣካላዊ ምንቅስቓስ
- ኣመጋግባ
- ምጉዳል ክብደት ሰብነት (ልዕሊ ዓቐን ክብደት ሰብነት እንተሃልዩካ)
- ምትካኽ ሽጋራ ምቁራጽ (ዝምልከተካ እንተኾይኑ)
- ምቁጽጻር መጠን ሽኮር ደምን ናይ ነዊሕ እዋን መጠን ሽኮር ኣብ ደምን (HbA1c)
- ጸቕጢ ደም
- መጠን ስብሒ ኣብ ደም (ብፍላይ LDL ኮሌስትሮል)
ልምዲ ምትካኽ ሽጋራ
ብፍላይ እቶም ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ሽጋራ ከትክኹ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ሽጋራ ተትክኽ እንተ ዄንካ፡ ብዛዕባ እዚ ምስ ሓኪምካ ክትዘራረብ ይግባእ። ምትካኽ ሽጋራ ንኸም ወቕዒ ልቢ፡ ወቕዒ ኣካላት ሰብነት፡ ከምኡውን ሕማም ኩሊት ዝኣመሰለ ምስ ሕማም ሽኮርያ ተተሓሒዞም ክመጹ ዝኽእሉ ከበድትን ልሙዳትን ሕማማት ብዝያዳ ኽንቃላዕ ይገብረና እዩ። ሽጋራ ምትካኽ ብሰንኪ ሕማም ሽኮርያ ብዝያዳ ተቓላዕቲ ብዝዀንናሎም ሕማማት ናይ ምትሓዝ ኣጋጣሚና እውን ይውስኾ እዩ። ገለ ኻብዚ ሕማማት፡ ኣብ እግሪ ዙረት ደም ምንካይ፡ ኣብ መራግጾ እግሪ ዝፍጠር ቍስሊ፡ ድኻም ልቢ፡ ስንፈተ ወሲብ፡ ናይ ግርጻን ቍስሊ፡ ዓጽሚ ዓይኒ (ካታራክት)፡ መንሽሮ፡ ናይ ምርሳዕ ሕማም የጠቓልል። ስለዚ፡ ጽቡቕ ጥዕና ንምሕላውን ምስ ሕማም ሽኮርያ ጽቡቕን ነዊሕን ዕድመ ንምንባር ክትገብሮ ካብ እትኽእል ኣገዳሲ ነገራት ሓደ፡ ሽጋራ ዘይምትካኽ እዩ።
ሽጋራ ምትካኽ ከተቋርጽ ዝሕግዙ ብዙሓት ጽቡቓት ሓገዛት ኣለዉ፣ እዚ ድማ ጽቡቕ ምኽሪ፡ ናይ ሞባይል ኣፕሊኬሽን፡ ስልጠናታት፡ ከምኡውን መድሃኒታት የጠቓልል፣ ሓኪምካ እውን ሽጋራ ምትካኽ ከተቋርጽ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።
ናይ ደም መጠን ሽኮር ዘጉድል መድሃኒታትን ኢንሱሊንን
ኣብ ኣነባብራኻ እትገብሮ ለውጢ እኹል ውጽኢት እንተ ዘይረኺብካሉ፡ ምስ ሕማም ሽኮርያ ብዝተኣሳሰር ንዝመጽእ ጉድኣት ንምንካይ፡ መጠን ሽኮር ደም ዘጉድሉ መድሃኒታት ከምኡውን/ወይ ኢንሱሊን (ምናልባት እውን ካልኦት መድሃኒታት) ክትጥቀም ከድልየካ ይኽእል እዩ። ብሰንኪ ሓደ እትወስዶ መድሃኒት ኣሉታዊ ሳዕቤናት እንተ ኣጋጢሙካ፡ ካልእ መድሃኒት ምቕያር ክሕግዘካ ይኽእል እዩ። ብዛዕባ ኣማራጺታትካ ምስ ሓኪምካ ተዘራረብ፡ እቲ እትወስዶ መድሃኒት ገለ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ኣስዒቡልካ እንተ ዀይኑ እውን ንገሮ።
ሕማም ሽኮርን ኣስናንን
ሕማም ሽኮርያ እንተሃልዩካ፡ ጽሬት ኣስናንካን ግርጻንካን ምሕላው ብዝያዳ ኣገዳሲ እዩ። (pdf) ነዚ ንምግባር እቲ ዝበለጸ መገዲ፡ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዜ ብፍሎራይድ ሳሙና ስንኻ ምሕጻብን መዓልታዊ ብፈትሊ መጽረዪ ስኒ ንመንጎ ኣስናንካ ምጽራይን እዩ።
ሕማም ሽኮርያ ነቲ ሕማም ናይ ምክልኻል ተፈጥሮኣዊ ዓቕምኻ ከዳኽሞን ኣፍካ ከም ዝደርቕ ክገብርን ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ባክተርያ ብቐሊሉ ክራብሑን ኣብ ግርጻንካ ነድሪ ወይ ቍስሊ ከስዕቡን ይገብሮም። ናይ ግርጻን ሕማም ንስርዓተ ቍጽጽር ሽኮር ደም ከዛብዖ፡ ኣብ ዝኸፍአ ኩነታት ድማ ኣስናን ከርግፍን ይኽእል እዩ።
ከቢድ ሕማም ግርጻን እንተ ኣጋጢሙካ፡ ሓኪም ስኒ ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ሓገዝ ክትረክብ መሰል ኣለካ ድዩ የልካን ክግምግም ይኽእል እዩ።
ክትትልን ቍጽጽርን ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ
መብዛሕትኦም ዓይነት 2 ሕማም ሽኮርያ ዘለዎም ሰባት ብሓኪሞም ስሩዕ መርመራ ይግበረሎም እዩ። ገሊኦም ግን ኣብ ሆስፒታል እውን ምክትታል ይግበረሎም እዩ። ክንደይ ግዜ መርመራ ሕማም ሽኮርያ ከም እትገብር ከከም ኣድላዪነቱ እተፈላለየ እዩ።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት፡ ንጸገማት ሕማም ሽኮርያ ዝምልከት ዝተፈላለዩ ምልክታት ሓደጋ ክምርመሩ ይግባእ። ንዅሎም እቶም ናይ ሓደጋ ምልክታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እንተ ተገይሮም፡ ንሓደጋ እትቃልዓሉ ኣጋጣሚ ብዓቢኡ ይንኪ። እዚ መብዛሕትኡ ግዜ "ዓመታዊ መርመራ" ይበሃል፣ ምስ ሓኪምካ ኣብ እትገብሮ እተፈላለየ ቘጸራታት ከኣ ክከፋፈል ይኽእል እዩ።
Nasjonal faglig retningslinje for diabetes (IS-2685). https://helsedirektoratet.no/retningslinjer/diabetes
ነዚ ጽሑፍ ዘዳለወ Helsedirektoratet
መወዳእታ ዝተመሓየሸ ኃሙስ፣ 21 መጋቢት መዓልቲ 2024 ዓ/ም