ምዕባለ ቛንቋ ኣብ ቈልዑ

ቈልዑ ቋንቋኦም ብእተፈላለየ ናህርን ብእተፈላለየ መገድን የማዕብሉ። ኣብ ኣወንታዊ ምዕባለ ቋንቋ ሓደ ቈልዓ ኣበርክቶ ክትገብር ትኽእል ኢኻ።

ቈልዑ ቛንቋ ዘማዕብሉ ብኸመይ እዮም፧

ቈልዑ ካብ ዝውለዱ ኣትሒዞም ክረዳድኡ ይኽእሉ እዮም፣ ናይ ቋንቋ ባህርያዊ ክእለት እውን ኣለዎም። ኵሎም ቈልዑ ብናቶም ናህሪ እዮም ምዕባለ ዝገብሩ፣ ኣብ ምዕባለ ቋንቋ ድማ ዓቢ ፍልልያት ኣሎ።
ምዕባለ ቋንቋ ኣብ ቈልዑ ኣብ እተፈላለየ ምዕራፋትን ምስ ካልኦት ኣብ ዝግበር ርክብን እዩ ዝፍጸም።

ካብ 0-6 ወርሒ

ቈልዑ ገና ዕሸላት ከለዉ ናይ ዘረባ ደሃይ ከውስኡ ይጅምሩ። ዓይኒ ንዓይኒ ምጥምማት ይጅምሩ፣ ድምጽታት የለልዩን ምላሽ ይህቡን፣ ድምጺ ይገብሩን ናይ ገጽ መግለጺ ይጥቀሙን እዮም።

ካብ 6–12 ኣዋርሕ

ቈልዓ ኰልተፍተፍ እናበለ ቀለልቲ ቃላት የውስእን ሒደት ቃላት ይርዳእን። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ቈልዑ ስሞም የለልይዎ። ሓሳቦም ንምግላጽ ቋንቋ ኣካላት ምስ ቀለልቲ ቃላት ብሓባር ገይሮም ብዙሕ ይጥቀሙ።

ካብ 1–2 ዓመት

ካብ 1–2 ዓመት ኣብ ዘሎ ዕድመ፡ ቀለልቲ ቃላትን ሓጸርቲ ምሉእ ሓሳባትን ክዛረቡ ይኽእሉ። ቈልዑ ንቐለልቲ መምርሕታትን ሕቶታትን ክርድኡ ይጅምሩ።

ካብ 2–3 ዓመት

ቈልዑ በብቑሩብ ዝያዳ ቃላት ይምሃሩን ነዊሕ ምሉእ ሓሳባት ክዛረቡ ይኽእሉን። ናይ ቋንቋ ምርዳኦም እናወሰኸ ምስ ከደ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሕቶታት ይሓቱን ቀለልቲ ዛንታታት ክነግሩ ይኽእሉን። ኣብ ማሕበራዊ ኩነታትን ምስ ካልኦት ኣብ ዝግበር ማሕበራዊ ርክብን፡ ብቓላት፡ ብኣካላዊ ምንቅስቓስ፡ ብናይ ገጽ መግለጺ፡ ብቓና ድምጺ ኣቢሎም ቋንቋ ብዝያዳ ንጥፈት ይጥቀሙ።  

ካብ 3–4 ዓመት

ቈልዑ ሓደስቲ ቃላት ምምሃር ይቕጽሉን ዝያዳ ዝተሓላለኸ ምሉእ ሓሳባት ክጥቀሙ ይጅምሩን። እቲ ኣደማምጻ ቃላቶም ዝያዳ ቅኑዕ ይኸውን። ብዛዕባ ኣብ ቀረባ እዋን ዝፍጸሙ ነገራት፡ ከምኡውን ብዛዕባ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጠሙ ፍጻመታት ክዛረቡኻ ይኽእሉ። 

ንምዕባለ ቋንቋ ቈልዓ ምልዕዓል

ዓይኒ ንዓይኒ ዝግበር ርክብ፡ ምስ ቈልዓ ምዝርራብ ከምኡውን ውሕስነት ንንቡር ምዕባለ ቋንቋ ኣብ ውላድካ ኣገዳሲ እዩ። ቈልዑ ውሕስነት ምስ ዝስምዖም፡ ቋንቋ ንምድህሳስን ሓሳብ ንሓሳብ ንምርድዳእን ዝያዳ ትብዓት ይረኽቡ እዮም።

ዕሸላት ንጹር ምልክታት ከም ዘይህቡ ኣይትረስዕ። እቲ ሕጻን መዓስ ክረዳዳኣካ ይፍትን ከም ዘሎ ምእንቲ ክትፈልጥ ኣቓልቦ ግበር።

ቈልዑ ኣብ ሓደ እዋን እተፈላለየ ቛንቋታት ክመሃሩ ይኽእሉ እዮም፣ ስለዚ፡ ቋንቋ ኣዴኻ ብንጥፈት ተጠቐመሉ። ነቲ ቈልዓ በቲ ዝበለጸ እትዛረቦ ቛንቋ ተዛረቦ። ከምኡ ምግባርካ፡ እቲ ቆልዓ ዝሃብተመ ናይ ቋንቋ ተመክሮ ክረክብን ቃላት ምስ ስምዒታትን ተመኩሮታትን ኸተኣሳስሮን ይሕግዞ።

ንዕቤት ቋንቋ ውላድካ ክትድግፎን ክትጸልዎን ትኽእል ኢኻ

  • መዓልታዊ ኵነታትካ ብቛንቋ ንምጽዋትን ንምስትምቓርን ተጠቐመሉ።
  • ካብ ሕጻንነቶም ኣትሒዝካ መጻሕፍቲ ኣንብበሎም፣ ምስ ዕድመ ቈልዓ ዝተመጣጠነ ስእልታት ዘለዎም መጻሕፍቲ ምረጽን ናብቲ እትዛረበሉ ዘለኻ ስእልታት ኣመልክትን።
  • ቋንቋን ማሕበራዊ ክእለትን ንምምዕባል ምስ ካልኦት ቈልዑ ዝጻወትሉ ኣጋጣሚ ኣዳሉ።
  • ኣቓልቦኻ ኣብቲ ቘልዓ ይኹን፣ ሞባይልን መስምዒ እዝንን ኣቐምጦ።

ንዕላል ዝኸውን ምኽርታት

  • ንደሃያት እቲ ሕጻን ካብ ዕሸል ዕድሚኡ ኣትሒዝካ ስምዓዮን ምሰሎን።
  • እቲ ሕጻን ብድምጽን ብምንቅስቓስን ክምልሰልካ ግዜ ሃቦ።
  • ነቲ እቲ ቘልዓ ክገልጾ ዝፍትኖን ዝስምዖ ነገራትን ብቓላት ግለጾ።
  • ነቲ እቲ ቘልዓ ዝርእዮ ዘሎ ነገራት ኰነ ነቲ ብሓባር እትገብርዎ ነገራት ብቓላት ግለጾ።
  • ነቲ እቲ ቘልዓ ዝብሎ ቃላት ትርጉም ከም ዝህብ ጌርካ ግለጾ። ንኣብነት፡ እቲ ቘልዓ "ከልቢ" እንተ ኢሉ፡ "እወ ዓቢ ከልቢ ይነብሕ ኣሎ" ክትብል ትኽእል ኢኻ።
  • እቲ ቛንቋ ዝያዳ ዘዘናግዕን ብቐሊሉ ዝዝከርን ምእንቲ ክኸውን፡ ምድግጋምን ኣደማምጻን ሙዚቃን ተጠቐም።

ስክፍታታት እንተልዩካ ሓገዝ ሕተት

ብዛዕባ ምዕባለ ውላድካ ሻቕሎት እንተልዩካ፡ ምስ ማእከል ጥዕና ሕጻናት ወይ ምስ መዋእለ ቈልዑ ተዛራረብ። ብዛዕባ ምዕባለ ቋንቋ ኣብ ቈልዑ ኣፍልጦ ኣለዎም። ብትዕዝብትን ገምጋምን ኣቢሎም ብዛዕባ ቋንቋ እቲ ቘልዓ ምኽሪ ክህቡኻ ይኽእሉ እዮም፣ ምናልባት እውን ናብ ካልኦት ናይ ሓገዝ ትካላት ክሕብሩኻ ይኽእሉ እዮም።

ነዚ ጽሑፍ ዘዳለወ Helsedirektoratet

መወዳእታ ዝተመሓየሸ ሠሉስ፣ 11 ለካቲት መዓልቲ 2025 ዓ/ም