ተርጓማይ ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና

ብዛዕባ ጥዕናኻ፡ ሕማምካን ሕክምናኻን ብዝርደኣካ ቋንቋ ሓበሬታ ኽትቅበል ትኽእል ኢኻ። ኖርወጅያኛ ንምርዳእን ንምዝራብን ዘጸግመካ እንተ ዀይኑ፡ ብዝደለኻዮ ቋንቋ ተርጓሚ ክትረክብ መሰል ኣሎካ።

ተርጓማይ ናይ ምርካብ መሰል ዘለዎ መን እዩ፧

እቲ ዝዝረበካ እንተ ዘይተረዲኡካን ብዛዕባ እቲ ዘድልየካ ሓገዝ ክትዛረብ እንተ ዘይክኢልካን፡ በቲ ዝደለኻዮ ቋንቋ ተርጓሚ ክትረክብ መሰል ኣሎካ። ዋላ እውን ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ኖርወጅያኛ ትዛረብ እንተ ዀንካ፡ ተርጓሚ ክትረክብ መሰል ክህልወካ ይኽእል እዩ።

መን እዩ ተርጓማይ ዝእዝዝ፧

እቲ ኣገልግሎት ጥዕና እዩ ብቑዕ ተርጓሚ ክእዝዝ (ክጽውዕ) ሓላፍነት ዘለዎ።

ተርጓሚ የድሊ ድዩ ኣየድልን ንምፍላጥ ኣጸጋሚ ክኸውን ይኽእል እዩ። ብቐንዱ ተርጓሚ ኣድላዪ ድዩ ኣይኮነን ዝግምግሙ ሰራሕተኛታት ጥዕና እዮም። ተርጓሚ ዘድልየካ እንተ መሲሉካ፡ ንኣብነት ቆጸራ ክትሕዝ ከለኻ ክትነግር ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ ናብ ኣገልግሎት ጥዕና ደዊልካ ብቛንቋኻ ተርጓሚ ክእዝዙ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

ሓድሓደ ግዜ ተርጓሚ ብኣካል ካብ ዝመጽእ፡ ብቪድዮ ወይ ብተሌፎን ዝሕግዝ ተርጓማይ ምህላው ጽቡቕ ኣማራጺ ክኸውን ይኽእል እዩ።

መንግስታዊ ኣካላት ብቑዓት ተርጐምቲ ናይ ምጥቃም ግዴታ ከም ዘለዎም ሕጊ ተርጐምቲ ይገልጽ እዩ።

መን እዩ ክትርጉም ዝኽእል፧

እቲ ተርጓማይ ምትርጓም እተማህረ ክኸውን ኣለዎ።

ንሕጻናት ከም ተርጐምቲ ክትጥቀመሎም ኣይከኣልን እዩ። ካልኦት ኣዝማድ ወይ ናይ ተርጓማይ ስልጠና ዘይብሎም ሰባት እውን ኣብ ክንዲ ብቑዕ ተርጓማይ ክጥቀመሎም ኣይከኣልን እዩ።

ተርጓሚ ክትጥቀም ከለኻ እንታይ ክትጥንቀቕ ኣለካ፧

ኣየናይ ቋንቋ ከም እትመርጽ ብልክዕ ንኣገልግሎት ጥዕና ክትነግሮም ኣገዳሲ እዩ።

ተርጓሚ ንኽሕግዘካ ምስ ተኣዘዘ፡ ኣብቲ ቘጸራ ዝሓዝካሉ ሰዓት ክትመጽእ ኣገዳሲ እዩ። ኣብቲ ቘጸራ ዝሓዝካሉ ሰዓት ክትመጽእ እንተ ዘይክኢልካ፡ እንተ ወሓደ 24 ሰዓታት ኣቐዲምካ ክትስርዝ ይግባእ። እንተ ዘይኮይኑ ገና ነቲ ናይ ሕክምና ሰዓት ክትከፍል ኣሎካ። ብፍላይ ተርጓሚ ክእዘዝ ከሎ ነዚ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ።

ተርጓማይ እንታይ እዩ፧ ናይ ተርጓማይ ዕማማትከ እንታይ እዩ፧

ተርጓማይ ምስጢር ናይ ምሕላው ግዴታ ኣለዎ፣ ኣብቲ ዝተርጐሞ ምይይጥ ብዛዕባ እተባህለ ሓበሬታ እውን ንዋላ ሓደ ሰብ ክነግር የብሉን።

እቲ ተርጓሚ ነቲ እተዘርበ ጥራይ እዩ ኽትርጉም ዘለዎ እምበር፡ ምኽሪ ክህብ ወይ ናይ ገዛእ ርእሱ ርእይቶ ክውስኽ የብሉን። እቲ ተርጓሚ ገለልተኛ ክኸውን ኣለዎ፡ ምስ ዝዀነ ሰብ ክውግን እውን የብሉን።

ከም ሕሙም መጠን ርክብካ ምስቶም ሰራሕተኛታት ክንክን ጥዕና እዩ። ስለዚ፡ ኩሉ ሕቶታትካ ናብቲ ተርጓሚ ዘይኰነስ ናብ ሰራሕተኛታት ጥዕና ክቐንዕ ኣለዎ።

ንተርጓማይ መን ይኸፍል፧

ኣብ ኣገልግሎት ጥዕና ሕክምና ንዝረክብ ሰብ ብናጻ እዩ ተርጓማይ ዝቐርበሉ። እዚ ዘይምልከተካ ዝኸውን፡ ናብ ሓኪም ስኒ ትኸይድ እንተ ዄንካን ንሕክምና ስኒ ባዕልኻ ክትከፍል እንተድኣ ኣሎካን እዩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ዅነታት ንተርጓማይ ባዕልኻ ክትከፍል ኣሎካ።

ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ

ተርጓማይ ከም ዝደልየካ ዝስምዓካ ኽነሱ፡ ተርጓማይ እንተ ዘይተገይሩልካ፡ ናብቲ እትሕከመሉ ትካል ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ። ብተወሳኺ ናብቲ ኣብ ዞባኻ ዝርከብ ኣመሓዳሪ ዞባ፡ ናብ “ሕሙማትን ተሓላቒ ተሓከምትን” (Pasient- og brukerombudet) ወይ ድማ “ማዕርነትን ተሓለቕቲ ኣንጻር ኣድልዎን” (Likestillings- og diskrimineringsombudet) ጥርዓን ከተቕርብ ትኽእል ኢኻ።

በቲ ተርጓማይ እንተ ዘይዓጊብካ፡ ብዛዕባ እዚ ናብቲ እትሕከመሉ ትካል ከተማርር ትኽእል ኢኻ።

Tolkeloven. 2021. Lov om offentlige organers ansvar for bruk av tolk mv. av 2021-06-11 nr 79.

ነዚ ጽሑፍ ዘዳለወ Helsedirektoratet

መወዳእታ ዝተመሓየሸ ዓርቢ፣ 28 ጥቅምቲ መዓልቲ 2022 ዓ/ም